ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ብ14 ታሕሳስ – ኣብ ተራ ንቑሕ ውዳበ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ኣበርክቶ ካድራት ህግደፍ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ተኻዪዱ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን – ምስ ካድራት ጉጅለታት ጨንፈር ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን ትካላትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ተራ ካድራት ኣብ ምቕላስ ዝውጠን መደባት ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ሕጽረታት ብምእራም ብልጫታት ንምዕቃብን ንምድንፋዕን ተሳታፍነቶም ከበርኹ ኣዘኻኺሩ።

ን2018 ዝተወጠኑ መደባት ብዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ድማ፡ ንጥፈታት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝብርኸሉ ባይታ ክፍጠር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ዓመታዊ ጸብጻባት ፖለቲካውን ውድባውን ንጥፈታት ጉጅለታት ህግደፍ ኣብ ንኡሳን ዞባታት፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ናይ’ቲ ዞባን ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ተሳተፍቲ፡ ምሕያል ውዳበታት ቀዳምነት ክስራዕ፡ ስልጠና ካድራት ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ዝግበር ወፈያታት ክብርኽ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጊንዳዕ ምስ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ድማ ምስ ተማሃሮ ቤት- ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ጻብራን ኣዱሊስን ኣብ ዝተገብረ ርክባት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ዞባ መንእሰይ እድሪስ ዑስማን፡ ንጅግንነትን ቅያን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲን ምርግጋጽ ልኡላውነትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ እዚ ሰረት’ዚ ዘለዎ – ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ዝዓጠቐን ንጹር ራኢ ዘለዎን መንእሰይ፡ ሃገራዊ መደባት ኣብ ምዕዋት ዓቢ ተራ ከምዝጻወት ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኮለጅ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ – ማይነፍሒ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ርክብ፡ ሓላፊት ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን መንእሰይ መንሱራ እስማዒል፡ ንኣገዳስነት ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ውዳበ ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ተመሃሮ ኮለጃት ንባዕሎም ኣብነታውያን ኮይኖም ንከባቢኦም ብእወታ ክጸልዉ ከምዝግባእ ኣስሚራትሉ።

Categories