እንጥቀመሎም መመላኽዒታት፡ ኣብ ዓይነቶም ይኹን ትሕዝቶኦም ንሞያውያን ምውካስ ከምዘድሊ፡ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ክኢላ ሕክምናዊ ቈርበት ዶክተር ሃይለስላሴ ሃብተማርያም ኣዘኻኺሩ።

ብሰለስተ ቀጻላታት ዝቘመ ቈርበት ወዲ-ሰብ፡ ኣብ ምቊጽጻር ሙቐት ሰብነት፡ ምትሕልላፍ ኣየርን ረሃጽን፡ ከምኡ’ውን ከም መተሓላለፊ ስምዒት ምድህሳስ ናብ ሓንጐል ከምዘገልግል ዝሓበረ ዶክተር ሃይለስላሰ፡ ብቐሊሉ ብጨረርታ ጸሓይ፡ ደሮና፡ ባክተርያን ከሚካላትን ስለዝጥቃዕን ናይ ገዛእ ርእሱ ስብሒ ስለዘፍሪን፡ ኣብ ኣቃውማኡ ምዝባዕ ከይፍጠርን ቊጥዐ ከይለዓልን፡ ድሕሪ ዝኾነ ንጥፈት ብማይን ሳምናን ምጽራዩ ኣገዳስነቱ ዓቢ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብመልክዕ ሻምፖ፡ ክሬምን ሎሽንን ኣብ ቈርበት ዝልከ መመላኽዒ፡ ቈርበትና ኣብ ምልስላስ፡ ምንጽብራቕን ጽባቐና ኣብ ምድማቕን ከምዝጠቅም፡ ገለ ከኣ ሕብሪ ቈርበትና ኣብ ምቕያር ከምዝሕግዝ – እዚ ግን ዓይነት ቈርበትካ ኣለሊኻ ክውሰድ ከምዝግባእ መኺሩ።

“ኣብ ጸጒርና ይኹን ቈርበትና ዝካየዱ መስርሓት፡ ኣዝዮም ተኣፈፍትን ሓያል ጐድናዊ ሳዕቤናት ዘለዎምን እዮም” ዝበለ ዶክተር ተስፋስላሰ፡ ኣብ ሃገርና ዝዝውተሩ ከሚካላት መብዛሕትኦም እኹልን ብልክዕ ዝተጻሕፈን ሓበሬታ ስለዘይብሎም፡ ሕብረተ-ሰብና ነዚ ተገንዚቡ ብዘይኣፍልጦ ሞያውያን መጸባበቒ ከይጥቀም ኣተሓሳሲቡ።

ደቂ-ኣንስቶዮ ሃገርና ብሕክምና ዝተኣገዱ መድሃኒታት – ከም መቀያይሒ ቈርበት ከምዝጥቀማ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንቈርበትና ብግቡእ ጽሬት፡ ክንክንን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባን ጥዕናኡ ክንሕሉ ምዒዱ።

Categories