ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ “መኸተን ልምዓትን ንደርማስ ምዕባለ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ12ን 13ን ታሕሳስ መበል 14 ምዱብ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ ሼኽ፡ ባይቶ – ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ከም ድንድል ኮይኑ፡ እዋናዊ ጠለባት ህዝቢ ኣብ ምስማዕን ትግባረኡ ኣብ ምክትታልን ረዚን ሓላፍነት ተሰኪሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ድሕሪ ምምልካት፡ ን2018 ዝተታሕዙ መደባት ኣብ ምትግባር፡ ኣባላት ባይቶ ግቡእ ተራኦም ክጻወቱ ተላብዩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ክብሮም ዓንደሚካኤል፡ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣጥርይዎ ንዘሎ ንቕሓትን ተመኲሮን ከሐይሎ ብምዝኽኻር፡ ኣብ 2018 ቀዳምነት ተዋሂብዎም ዘለዉ መደባት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ንዝተፈላለዩ ጽላታት ከምኡ’ውን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡን ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱሉን።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ህንጸት ትካላት ጥዕና ዒላ-ባቡን ባዳን ክቀላጠፍ፡ ቀረብ ማይ ዳህላክን ኩነታት መጓዓዝያ ከረን- ናቕፋን ፍታሕ ክናደየሉ፡ ብውሕጅ ዝተበላሸወ ጽርግያታት ኣፍዓበት-ሽዕብ፡ ሽዕብ-ጋሕቴላን ባጽዕ-ፎሮን ጽገና ክግበረሎም ዝብሉን ካልኦትን ወሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብ11 ታሕሳስ ኣብ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ 2017 ንዝተሰላሰለ መደባት ብምግምጋም፡ ኣብ 2018 ክትግበር ኣብ ዝተወጠነ መደባት ዘትዩ።

ኣብ ማሕበራዊ፡ ቊጠባዊ፡ ልምዓታዊ ትሕተ-ቅርጻውን ካልእን መዳያት ንዝተተግበረን ዘይተተግበረን መደባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ሰሚዑን ዘትዩሉን። ሎምዘበን ክራማት ከበሳ ድኹም ብምንባሩ፡ ኩነታት ዘራእቲ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይኮነ ድማ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ብርሰት ኣግራብ እናሳዕረረ ይመጽእ ስለዘሎ ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ምትእትታው መጐጎ ኣድሓነት ብዝተጸንዐ ኣገባብ ክድፋኣሉ፡ ኮማዊ ልምዓት ብዝሓየለ ክቕጽል፡ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም።

Categories