ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ወሰናስን ዓበይትን ንኣሽቱን ሩባታትን ካልእ ልሙዕ ቦታታትን ብውልቅን ማሕበርን ናይ ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን ግጉይ ኣተሓሕዛ ንምእራም – ብ12 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ባረንቱ ናይ ዘተ ርክብ ተኻዪዱ።

እቲ ብላዕለዋይ ኮሚተ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ ዝተወደበ ርክብ፡ ኣተሓሕዛ ልምዓት ጀራዲን ንኣዋጃትን መምርሒታትን ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይ ኣከባብን ተኸቲሉ ዝኸደሉ ኣገባብ ብምርግጋጽ፡ ኣፍራይነት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።፡

ክኢላታት ሕርሻን መሬትን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ እቲ ዞባ – ከም ጋሽ፡ ባርካን ሳዋን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሩባታት ዝስንጥቕዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሰፊሕን ፍርያምን መሬት ከምዝውንን፡ ብግቡእ ምስ ዝለምዕ ድማ ንጠለባት ሃገር ኣዕጊቡ ንሰደድ ዝቐንዐ ፍርያት ክሕፈሶ ዝኽእል ምዃኑ ሓቢሮም።

መንግስቲ፡ ዜጋታት ኣልሚዖም ንነብሶምን ንሃገሮምን ዝበቅዕ ምህርቲ ክሓፍሱ ምእንቲ፡ በብግዜኡ ዕድላት ክኸፍት ከምዝጸንሐ፡ ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ልዕሊ 1,300 ሓረስቶት ኣብ ኣስታት 5 ሽሕ ሄክታር ልምዓት መስኖ ከካይዱ ምጽንሖም ዝጠቐሱ’ቶም ክኢላታት፡ መብዛሕትኦም ኣልማዕቲ ግዳ ሕጊን መምርሒታትን እናጠሓሱ መሬት ከባኽኑ ከምዝጸንሑ ኣረዲኦም።

ካብ’ቲ ብቐጻሊ ክፍጸም ዝጸንሐ ጥሕሰታት ሕጊ፡ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ መሬት ምልማዕ፡ ከተልምዖ ዝተዋህበካ መሬት ንኻልኦት ምክራይን ምሻጥን፡ ዝተመርሓልካ መሬት ዘይምልማዕ፡ ብዘይፍቓድ ካብ ዝተወሰነልካ ንላዕሊ መሬት ምሓዝ፡ ግቡእካ ዘይምኽፋልን ካልኦትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብዝምልከተን ኣካላት ክወሃብ ንዝጸንሐ ሓበሬታን መምርሕን ዕሽሽ ተባሂሉ ንዓመታት ከምዝቐጸለ ተዘርዚሩ።

ኮሚተ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኣተሓሕዛ ጀራዲንን ክረምታዊ ሕርሻን ብምዕምቈት ብምርዳእ፡ ዝቐረቡ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ከምኡ’ውን መምርሒታትን ኣዋጃትን ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ብምግንዛብ፡ ንመምርሒ መሰል ተጠቃምነት ክረምታዊ ሕርሻ ምርኲስ ብምግባርን ርእይቶታት ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ሕርሻዊ እቶት ብምኽዕባት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘረጋግጽ ህጹጽ ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ፡ ንኣብነታውያንን ብሕጊ ተቐዪዶም ንዝሰርሑን ጻዕራማት ሓረስቶት ዘተባብዕ፡ ነቶም ካብ ሕጊ ወጻኢ መሬትን ኣከባብን ዘባኸኑ ድማ ዝእርም ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

Categories