ኣብ ድባርዋ፡ ርእሳነ-መማህራን፡ ሱፐርቫይዘራት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ሓለፍቲ መንግስታውያን ትካላትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘተኰረ ርክብ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ መምህር ርእሶም ገብርሂወት፡ ኣብ’ዚ ዓመተ-ትምህርቲ’ዚ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ልዕሊ 23 ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ውጽኢት ተመሃሮ ንምዕዛዝ ስሉሳዊ ዝምድና ክተርር ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር ገብረመስቀል ተስፋማርያም፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መሃይምነት ኣብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ፡ ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ሽከቲ፡ ዓዲ-በዝሓንስ፡ ክሳድ-ዳዕሮ፡ ገርጠጢ፡ ማይ- ኣልቦን ማይ-ድማን ዝሰላሰል መደባት ከምዘሎ፡ ደግሲ መሃይምነት ከይክሰት ድማ ኣብ ሽከቲ፡ ዛውልን ዓዲ-ገብራይን ኮማዊ ኣብያተ-ንባብ ከምእተኸፍታ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ተኽለማርያም ገብረየሱስ ድማ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ምምሃር ሕብረተ-ሰብ ምምሃር ማለት ስለዝኾነ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝወሃብ ቈላሕታ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories