ኣብ ዞባ ማእከል፡ ናይ 2017 መደባት ውጥን – መብዛሕትኡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝብን ምምሕዳራትን ከምእተተግበረ፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብ11ን 12ን ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ንዝተራእየ ምውህሃድ ድሕሪ ምምጓስ፡ ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገማት ማይን መብራህትን ንምፍታሕ ዓበይቲ መደባት ተበጋጊሶም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ ናይ 2018 ልምዓታዊ ስርሓት ተሳትፎ ህዝቢ ከም ወትሩ ክዓዝዝ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብዚ ዓመት – ንስድራ-ቤታት ስዉኣት ዝተኸፍለ ደበስ፡ ዝተሃንጸን ዝተጸገነን ትካላትን ጽርግያታትን ካልእን ተዘርዚሩ።

ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት፡ ናይ ኣዝመራ ዝናብ ብኣጋ ብምጅማሩ ዘራእቲ ጽቡቕ’ኳ እንተበቘለ፡ ናይ ክረምቲ ዝናብ ስለዝደንጐየ፡ ካብ ዝተሓርሰ ልዕሊ 23 ሽሕ ሄክታር – እቲ ኣስታት 21 ሽሕ ሄክታር ጥራይ ከምእተዘርአ ተገሊጹ።

Categories