ኣብ ሽወደንን ሽቱትጋርት – ጀርመንን ዝነብሩ ዜጋታት፡ መደባት ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ንምዕዋትን ጸገማት ስንኩላን ወገናት ንምቅላልን ደገፎም ከምዘሐይሉ፡ ብምኽንያት 3 ታሕሳስ – ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ዘካየድዎ ምትእኽኻባት ገሊጾም።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ኣብ ዝወደቦ መደብ፡ ኣቦ-መንበር ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ጨናፍር ዝገብራኦ ኣበርክቶ፡ ስንኩላን ነብሶም ክኽእሉ መንግስቲ ንዘካይዶ ጻዕርታት ደገፍ ይኸውን ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ብምክያድ ዝተኣከበ ልዕሊ 22 ሽሕ ክሮነር ንመዓላ ሓርበኛታት ስንኩላን ተበርኪቱ። ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ ጨንፈር ሽቱትጋርት – ጀርመን እውን፡ ስንኩላን ወገናቱ ንምሕጋዝ ብዝሓየለ ከምዝሰርሕብምርግጋጽ፡ ነቲ ዕላማ ዝውዕል 3 ሽሕ ዩሮ ወፍዩ።

ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሑሴን ከሊፋ፡ ኩሉ ኤርትራዊ – ስንኩላን ዜጋታቱ ንምሕጋዝ ብትግሃት ክነጥፍ ጸዊዑ።

ኣብ ካልእ ንጥፈታት፡ ኣብ ኢጣልያ ዝርከባ ሃገራውያን ውዳበታት፡ ናይ 6 ወርሒ ገምጋም ንጥፈታተን ኣካዪደን።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ እተን ውዳበታት መደባት መኸተ ንምዕዋትን ሓቀኛ ምስሊ ሃገር ንምንጽብራቕን ንዘካይድኦ ዘለዋ ውፉይ ጻዕሪ ሞጒሱ።

ኣባላት ንኡሳን ጨናፍር ሃማደኤ ኣብ ሆላንድ ንጥፈታተን ንምግምጋም ኣብ ዝገበራኦ ኣኼባ ድማ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን፡ ውዳበ ሃማደኤ ኣብ ሆላንድ ናብ ደረጃ ጨንፈር ክዓቢ እዋኑ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ኩወይት ብ8 ታሕሳስ መስራቲ ጉባኤ ኣብ ዘቃንዓሉ ኣጋጣሚ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ እድሪስ መሓመድ-ዓሊ፡ መንእሰያት ፍልጠትን ሞያን ዓጢቖም፡ ንዓወት ሃገራዊ መደባት ድርኺት ዝፈጥሩ ተበግሶታት ክወስዱ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣተሓሳሲቡ።

Categories