ብስነ-ጥበባዊት ንግስቲ ገብረመስቀል ዝተዳለወ፡ ባህላውን ዘበናውን ስርሓት ካይላን ስልማትን ዘጠቓለለ ትሕዝቶ፡ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ቀጽሪ ሆቴል እምባሶይራ ንምርኢት ተኸፊቱ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ እዩ ነቲ ምርኢት መሪቑ ከፊትዎ።

ስነ-ጥበባዊት ንግስቲ ገብረመስቀል፡ እቲ ዝተፈላለዩ ናውቲ ገዛን ስልማት ደቂ- ኣንስትዮን ዝሓቘፈ ምርኢት ዕላማኡ፡ ባህላውነቶም ዓቂቦም ብዘበናዊ ኣገባብ ተሰሪሖም ተጠቃምነቶም ከምዝሰፍሕ ንምግባር ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ምርኢት፡ ክሳብ 16 ታሕሳስ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ክቕኒ እዩ።

Categories