ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ሕርሻዊ እቶት ንምዕባይ ሰፊሕ መሬት ብመስኖ ክለምዕ ተጸኒዑ ምህላዉ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብ9 ታሕሳስ ምስ ነበርቲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ሓቢሩ።

ኣብ መዳያት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሕርሻዊ ልምዓት፡ ህዝባዊ ወፈራታትን ካልእን ብዛዕባ ዝተሰላሰለ መደባት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብ ሕርሻታት ዶጎሊን እምቤረሚን ብማሽነሪታት ዝተሰነየ ምስራሕን ምጽጋንን ዓግማትን ከምእተኻየደ፡ እዚ ድማ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ በሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ እምቤረሚን ሕርጊጎን ዳግመ-ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕ፡ ኣነባበርቲ ዓድን ቤት-ምኽሪ ከተማን ከምእተቓንዐ፡ ሆስፒታል ግራር ሰብኣዊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣገልግሎቱ ንምምሕያሽ ውሁድ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ቀረብ ማይ ንምውሓስ ከምኡ’ውን ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ  መኣዲ ትምህርቲ ንምብራኽ፡ ሓባራዊ ጻዕሪ ክድንፍዕ ድማ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሰ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ቀዳምነት ዝወሃቦም መደባት ብምዝርዛር፡ ትግባረ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ናይ ግሊ መንበሪ ኣባይቲ ሓደ ካብኡ ምዃኑ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ልምዓት ማይ ዝግብኦ ታሪፍ ክረክብ ቈጸርቲ ከተኣታቶ፡ ጉዳይ ጸዓት ትካል ጥዕና ሓርጊጎ ድማ ቈላሕታ ክግበረሉ ተላብዮም።

Categories