ብምውህሃድ ጨናፍር ሚኒስትሪታት ትምህርቲን ጥዕናን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንተመሃሮ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ንምሃብ ዘኽእል መደባት ንምዕዋት ዝሕግዝ – ንመማህራን ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ መደብ፡ ቤት-ትምህርቲ ዝሰረቱ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣመጋግባን ብምትእትታው፡ መጠን ምቊራጽን ምድንጓይን ንምንካይ፡ ከምኡ’ውን ተሳታፍነት ተመሃሮ ብምዕባይ ውጽኢት ተመሃሮ ንምምሕያሽ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ኣቶ እስቲፋኖስ ገብረሃዋርያት፡ ቤት-ትምህርቲ ዝሰረቱ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣመጋግባን ካብ 2004 ኣትሒዙ ክስራሓሉ ምጽንሑን፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ሲስተር ለተብርሃን ዓንደ ብወገና፡ ኣገልግሎት መርመራ ዓይኒ፡ ስኒ፡ እዝኒ፡ ኣፍንጫ፡ ጐረሮን ቈርበትን እትህብ ተንቀሳቓሲት መኪና ተመዲባ፡ ተመሃሮ ብቐሊሉ ጸገማቶም ከምዝልለን ሕክምና ከምዝረኽቡን ይግበር ከምዘሎ ሓቢራ።

ኣብ 2016/2017 ኣብ ኣብያተ- ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ንኣስታት 135 ሽሕ ተመሃሮ፡ ኣገልግሎታት ሕክምና እዝኒ፡ ዓይኒ፡ ስኒን ቈርበትን ከምእተዋህበ፡ ጸብጻባት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ የረድኡ።

Categories