ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ወለንታዊ ልግሲ ደም ንምስሳን፡ ንመማህራንን ተመሃሮን ቤት-ትምህርቲ ዱታ ጐስጓስ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ኣሃዱ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ነርስ ገርግሽ በየነ – ንተመሃሮን መማህራንን ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ቈይሙ ዘሎ ባንክ ደም፡ ህጹጽ ናይ ደም ሓገዝ ንዘድለዮ ዝኾነ ሰብ ዝህብ ስለዝኾነ፡ ትሕዝቶኡ ንምስሳን ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ብንቕሓት ክነጥፍ ኣዘኻኺሩ።

ዕላማ ማሕበር ለገስቲ ደም፡ ብስእነት ደም እትሓልፍ ሂወት ንኸይትህሉ ምስራሕ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቦ-መንበር ማሕበር – ኣቶ ገብረመስቀል እምባየ፡ ነዚ ንምስማር ብቐንዱ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰረ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎን ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ምህላዉን ገሊጹ።

Categories