ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ ውዕል ክራይ ናይ ግሊ ኣባይቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ በብምምሕዳር ከባቢኡ ናይ ኣካራይን ተኻራይን ቅጥዒ ናይ ምምላእ መስርሕ ተጀሚሩ።

ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ ለምለም ዮሴፍ፡ መንግስቲ – ኣብ ልዕሊ መነባብሮ ዜጋታት ተጽዕኖ ክፈጥር ንዝጸንሐ መመሊሱ ዝንህር ዋጋ ክራይ መንበሪ ገዛ ገደብ ክግበረሉ ዘውጸኦ መምርሒ፡ በብዞናኡ ብዝወጸሉ ቅማረ ዋጋታት ክስራሓሉ ከምዝጀመረ ብምጥቃስ፡ ንምዕዋቱ ምትሕብባር ነበርቲ ክዓዝዝ ጸዊዓ።

ህዝቢ ኣብ ኣተገባብራ ናይ’ቲ መምርሒን ምምላእ ቅጥዒ ተኻራይን ኣካራይን ብንጥፈት ምእንቲ ክዋሳእ፡ ኣቐዲሙ መብርሂን ኣድላዪ ሓበሬታን ከምእተዋህቦ ዝሓበረት ወይዘሮ ለምለም፡ ከም ውጽኢቱ ህዝቢ ኣብ ግዜኡ ዘድልዮ ቅጥዕታት ኣማሊኡ ይቐርብ ብምህላዉ፡ ኣብ ኣሳልጦ ስራሖም ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጻ።

ናይ ምምላእ ቅጥዒን ምትማን ዋጋን መስርሕ ምስ ተዛዘመ፡ እቲ ዝኸበደ ስራሕ ምቊጽጻር ምዃኑ ዝሓበረት ወይዘሮ ለምለም፡ ብውሽጣዊ ስምምዕ ካብ’ቲ ዝተተመነ ንላዕሊ ክኸፍሉን ከኽፍሉን ዝተረኽቡ ኣካረይትን ተኻረይትን፡ ስጉምቲ ክውሰዶም ምዃኑ ኣፍሊጣ።

Categories