ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ኣብ 2017 ዝተወጠኑ መደባት፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ብኣድማዕነት ከምእተሰላሰሉ፡ ብ25 ታሕሳስ ኣብ ጻዕዳ- ክርስትያን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ህዝብን ምምሕዳርን ተገምጊሙ።

ኣመሓዳሪት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ ልኡል ኣስራት፡ ንልዕሊ 1,500 ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ መለሳ መሬት ብጽፉፍ ኣገባብ ከምእተሰላሰለ፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርትን ምምሕዳራት ከባቢ ብተሳትፎ ህዝቢ ከምእተተግበረ፡ ሓሰኻ ባርኖስ ንምጥፋእ ብልዑል ተሳትፎ ሓረስቶት ን19 መዓልታት ዝቐጸለ መድሃኒት ናይ ምንጻግ ወፍሪ ከምእተኻየደን ካልእ ስራሓት ከምእተዓመን ዘርዚራ።

ልዕሊ 280 ሽሕ ፈልሲ ቀላሚጦስ ከምእተተኽለን፡ ካብኡ እቲ 85 ሚእታዊት ከምዝጸደቐን ዝሓበረት ወ/ሮ ልኡል፡ ካብ ጻዕዳ-ክርስትያን ክሳብ ጸዓዘጋ ኣብ ዘሎ ጽርግያ – ብየማነ ጸጋሙ ኣግራብ ክትከል መደብ ተታሒዙ ምንባሩን ከም ዘይተተግበረን ገሊጻ።

ግብሪ ጥሪትን ዘራእትን ብግቡእ ምእካብ፡ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ምድንፋዕ፡ ብኣውራኡ ድማ በብጽላቱ ዝውጠኑ መደባት ብኣድማዕነት ምትግባር፡ ካብ መደባት 2018 ምዃኖም ኣረዲኣ።

Categories