ኣብ ሳዋ፡ ንመማህራንን ኣለይትን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ኣብ ምክልኻልን ኣገባብ ኣፈዋውሳን ሕማማት ብሓፈሻ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ንህልው ኩነታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ኣብ ሃገርናን ኣብ ምግታኡ ዝተመዝገበ ዓወትን ኣመልኪቱ መግለጺ ዘቕረበ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ኣርኣያ ብርሃነ፡ በብግዜኡ ዝዓቢ ዘሎ ንቕሓት መንእሰያት ነቲ ሕማም ከጒድሎ ከምዝኸኣለ፡ ናብ’ቲ “ዜሮ ንሓድሽ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ” ዝብል ሸቶ ንምብጻሕ ድማ፡ ንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

መማህራን ንባዕሎም መንእሰያት ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ምስ መንእሰያት ዘራኽብ ባህሪ ስራሕ ስለዘለዎም፡ ሞያዊ ሓላፍነቶም ከይዘንግዑ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተሰቦም ተራኦም ከዕዝዙ ዘዘኻኸረ ዶክተር ኣርኣያ፡ “ኣብ 2030 ለበዳ ኤይድስ ከብቅዕ ኣለዎ” ዝብል ኣህጉራዊ ሸቶ ንምዕዋት፡ ውሁድ ተሳትፎ ኩለን ኣካላት ክዓዝዝን ወለንታዊ መርመራ ከም ባህሊ ክሰርጽን ተላብዩ።

ንሕማም ዓሶ ብዝምልከት ኣስተምህሮ ዝሃበ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ምቊጽጻር ዓሶ ኣቶ ሰላም ምሕረትኣብ ድማ፡ 67 ሚእታዊት ካብ ህዝብና ኣብ ዓሳዊ ቦታታት ከምዝነብር ብምምልካት፡ መልከፍቲ ናይ’ቲ ሕማም ናብ ዜሮ ንምውራዱ፡ ህዝቢ ቀጻሊ ከባብያዊ ጽሬት ከካይድ፡ ላምስያ ብግቡእ ክጥቀም፡ ጣንጡ ዝራብሓሉ ዕቋር ማይ ክድፈን፡ ምልክታት ሕማም ዓሶ ዝተሰመዖ ድማ ተቐላጢፉ ናብ ትካል ጥዕና ከይዱ ክሕከም – ብሰፊሑ ዝስራሓሉ ዘሎ ስትራተጂ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories