ኣብ ግቡእ ዕድመኦም ትምህርቲ ዘይጀመሩ ዜጋታት፡ ብመገዲ መደብ ምጥፋእ መሃይምነትን ኣገልግሎት ምሸታዊ ትምህርትን ንኽመሃሩ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድላት ንኽዕወት፡ ምትሕብባር ትካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ክዓዝዝ፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ሰለሙን ርስቶም ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ሰለሙን ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ መሃይምነት ምጥፋእ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑን፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ብሓፈሻ፡ መምህራን ድማ ብፍላይ ኣበርክቶኦምን ጽልዋኦምን ከስርጹ ጸዊዑ።

ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ኤፍሬም ኣስፍሃ ብወገኑ፡ ኣብ 14 ንቚጣታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ዝተመዝገቡ 338 ሰባት፡ እቶም 255 ትምህርቶም ብግቡእ ከምዝዛዘሙ ብምግላጽ፡ ምቁራጽን ሸለልትነትን ንምውጋድ፡ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣነባበርቲ ዓድን ጎስጓሳት ከካይዱ ተላብዩ።

መምህር ኤፍሬም፡ 11 ምምሕዳራት ከባቢ ካብ መሃይምነት ነጻ ክዀና ምብቅዐን፡ መርኣያ ሓያል ጻዕሪ ኮሚተን መምህራንን ምዃኑ ብምሕባር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስሩዕ ትምህርቲ ዘቋረጹ ካብ 14 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድመኦም 495 ተመሃሮ ምሸታዊ ይመሃሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር በላይ ኑርሕሴን ድማ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ መራሕቲ ጉጀለታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብውህደት ክሰርሑን ኩነታት መሃይምነት ኣበይ ደረጃ ከምዘሎ ዘርኢ ዳህሳስ ከካይዱን ከምዝግባእ ኣመልኪቱ።

Categories