ኤርትራ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ተካይዶ ዘላ ጻዕሪታት ጽቡቕ ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።

ምስ መራኸቢ ብዙሃን ሃገርና ኣብ ዘካየዶ ቃለ- መሕትት፡ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ንኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ንምእታዋ ብሰብ- ፍሉይ ረብሓ ገዚፍ ወፍሪ ዝተገብረሉን ዝተፈላለየ ሕብርታት ዝተላበሰን ተጻብኦታት ከምእተኻየደ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዝገበርዎ ሓያልን ዝተወሃሃደን መኸተ ግዳ፡ እቶም ዘንቀዱ ተጻብኦታት ከምዝፈሸሉ ኣረዲኡ።

ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ ብቐንዱ፡ ንሃገራዊ ክብረትን ረብሓታትን ከምኡ’ውን ንናጻ ፖለቲካዊ ሕርያ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ፡ ብተመሳሳሊ ናይ ካልኦት ሃገራት ዘኽብር ምዃኑ ዘነጸረ ሚኒስተር ዑስማን፡ እዚ መርገጺ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሐ ተቐባልነት ይረክብ ከምዘሎ፡ ምስ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ክፈጥራ ድልውነት ዘርእያ ሃገራት እናበዝሓ ምምጽአን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ 2009ን 2011ን ብስም ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተተግበረ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳታት፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ብምስምስ ዶብ ዝጀመረ ተጻብኦታት ምዃኑ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ድማ ንኤርትራን መሪሕነታን ንምስይጣን ሓያል ዘመተታት ከምእተኻየደን፡ እዚ’ውን ብሓያል መኸተ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ዕርቃኑ ከምዝወጽአን ገሊጹ። (ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ- መሕትት ኣብ ገጽ 3 ረአ

Categories