ሳዋ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ንዝመጹ ተመሃሮ ብሓድነት እተተሓቛቚፍ፡ ጐድኒ- ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ድማ ስነ-ምግባር ዝመሃሩላን ብሩህ መጻኢኦም ዘውሕሱላን ኮይና ከምዝረኸብዋ፡ ንደቆም – ኣባላት 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበጽሑ ወለዲ ገሊጾም።

እቶም ካብ 1 ክሳብ 6 ታሕሳስ በብእብረ ንሳዋ ዝወረዱ ወለዲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ መንግስቲ ብሞያን ኣካዳሚን ዝሰልጠኑ ዜጋታት ንምፍራይ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ – ውጽኢቱ መመሊሱ ይጐልሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ደቆም ብሞራላውን ዜግነታውን ሓላፍነት ተዀስኲሶም ምርኣዮም ከምእተሓጐሱ ኣረዲኦም።

እቶም ወለዲ፡ ሳዋ ብመንገዲ ሓድሕዳዊ ምክብባር ‘ዜግነታዊ ሓላፍነት እተሰክም መድረኽ ምትኽኻእ’ ምዃና ብምምስካር፡ ደቆም ተኻፈልቲ ናይ’ዚ ዕድል ብምዃኖም ሓበን ከምእተሰመዖም ገሊጾም።

Categories