ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ 2015 ንዝተዳለወ ንድፊ ሃገራዊ ፖሊሲ ባህላዊ ፍወሳ ብምጽዳቕ፡ ብ6 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ መወከሲ ሆስፒታል – ኦሮታ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብወግዒ ንስራሕ ዘርጊሑዎ።

ኣብ’ቲ፡ ሚኒስተራት፡ ሞያውያንን ዕድመ ዝተገብረሎምን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ባህላዊ ፍወሳ ንዝተኻየደ ንጥፈታትን ዝተመዝገበ ገስጋስን ድሕሪ ምምጓስ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ምስ’ቲ ድሮ ቈይሙ ዘሎ ሃገራዊ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ባህላዊ ፍወሳን ካልኦት መሻርኽትን፡ ኣብ መጽናዕቲ ዘተኰረ ዕማማት ብቐጻልነት ክስራሓሉ ኣዘኻኺራ።

ዳይረክተር ሃገራዊ ምቊጽጻር መድሃኒትን መግብን ኣቶ ኢያሱ ባህታ፡ እቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ፖሊሲ፡ ኣብ መንጎ ዘበናውያንን ባህላውያንን ፈወስቲ ንዘሎ ጋግ ኣብ ምጽባብ፡ ኣብ ስርዓት ጥዕና ድማ ውሁድ ኣገልግሎት ዘበናውን ባህላውን ፍወሳ ኣብ ምትእትታው ድርኺት ክፈጥር ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣረዲኡ።

ኣማኻሪ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ምስማይ ገብረሂወት እውን፡ ኣብ ሃገርና ንጥፈታት ባህላዊ ፍወሳ ናይ ኣማኢት ዓመታት ሰረት ዘለዎን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ብዝሰፍሐ ዝቕጽል ዘሎን ዓውዲ ምዃኑ፡ ንዓኡ ዝምልከት መምርሒ ፖሊሲን መቈጻጸሪ ሕጋጋትን ብዘይምጽንሑ ግን፡ ጐዳእን ጠቓምን ክፋሉ ከይተለለየ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ፖሊሲ ነዚ ንምፍዋስ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክህልዎ እምነቱ ገሊጹ።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ፡ ዶክተር ጆዘፍን ናምቦዘ፡ ተራ ባህላዊ ሕክምና ኣብ መባእታዊ ጠለባት ክንክን ጥዕና ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ምክትታል ባህላዊ ሕክምና ዘተኰረ ሃገራዊ ንጥፈታት ኣብ ምሕያል ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

እቲ ፖሊሲ፡ ኣገዳስነት ባህላዊ ፍወሳን ዝህልዎ ኣበርክቶን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ መድሃኒታውን ጥዕናውን ፖሊሲታት ጠቓሚ ክፋሉ ክተባባዕ፡ ባህላውያን ፈወስቲ ብመልክዕ ማሕበር ተጠርኒፎም ተወሳኺ ሞያዊ ስልጠና ክረኽቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዘበናዊ ሕክምና ክሕቈፍ ዝድግፍ ንጹር ሓሳባት ኣስፊሩ ኣሎ።

Categories