ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ካሳ ዝርከቦን ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ29ን 30ን ሕዳር ኣብ ከተማ ኣቢጃን – ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝተቓንዐ 5ይ ዋዕላ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ተሳቲፉ።

ኣብ’ቲ “ወፍሪ ኣብ መንእሰያት፡ ንምቅልጣፍ ሓፈሻዊ ዕብየትን ዘላቒ ምዕባለን” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ እቶም መራሕቲ ኣብ 4 ስትራተጂካውያን ቀዳምነታት ኣተኲሮም ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

እቶም ስትራተጂካውያን ቀዳምነታት፡ ወፍሪ – ኣብ ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ቴክኖሎጂን ሞያን፡ ምሕያል ሰላም፡ ጸጥታን ምሕደራን፡ ምጒስጓስ ወፍሪ ንዘላቒ ቅርጻዊ ለውጢ ኣፍሪቃ፡ ስደትን ናጻ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትን ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዙ ኮይኖም፡ ነቲ ዋዕላ ዝምልከት ሰነድ’ውን ተዳልዩ።

ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ዋዕላ፡ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ልኡኻት ሩሜንያን ቡልጋርያን ብምርኻብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ስያትልን ፖርትላንድን – ሰሜናዊ ምዕራብ ሰሜን ኣመሪካ ንዝርከባ ሃገራውያን ውዳበታት ዘሳተፈ ዋዕላ፡ ብ25ን 26ን ሕዳር ተኻዪዱ።

ሓላፊት ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ወይዘሮ ሓድነት ቀለታ፡ ንዝመጽእ ዓመት ተታሒዞም ዘለው ውጥናት ስራሕ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪባ።

ብተወሳኺ፡ ንምሕያል ህዝባዊ ግንባርን ኣገዳስነቱን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ቀሪቡን ብተሳተፍቲ ዘተ ተኻዪዱሉን።

 

Categories