ኣብ ዝሓለፈ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዘመዝገባኦ ምዕባለታትን ዘጋጠመን ብድሆታትን ዘነጽር ዓውደ-ዘተ፡ ብ5 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ምሕያል ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ድልዱል መሰረት ንብልጽግና ሃገር ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተሰላሰለ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ዝተዋደደ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ድማ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ሰፊሕ ባይታ ከምዘጣጥሓለን ኣረዲኡ።

ኣብቲ ናይ ኩሉ ምዕባለ መሰረት ዝኾነ ትምህርቲ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምምልካት ከኣ፡ ምምሕዳር ዞባ ካብኡ ዝሕተት ምድግጋፍ ክገብር ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብቲ ዞባ ወይዘሮ ሳዕዲያ ኢብራሂም፡ ሳላ ውሁድን ተመላላኢን ዕዮ ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ውዳቤታት ደቂ- ኣንስትዮ እናሰፍሐ ምምጽኡ ጠቒሳ፡ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ትሑት ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲን፡ ንምዕባለአን ካብ ዝዕንቅጹ ቀንዲ ብድሆታት ኰይኖም ምጽንሖም ገሊጻ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ እቲ ዓውደ-ዘተ ንዝያዳ ዕብየትን ምዕባለን ደቂ-ኣንስትዮ ዝሕግዙ ሓሳባትን ርእይቶታትን ከምእተረኽቦ ሓቢራ።

Categories