ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ካብ 30 ሕዳር ክሳብ 3 ታሕሳስ 2017 ኣብ ቤይጂን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ “ዘተ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዓለም” ተሳቲፉ።

ኣብ’ዚ “ሓላፍነት ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ንምህናጽ ሓባራዊ መጻኢ ወዲ-ሰብን ዝሓሸት ዓለምን” ብዝብል ቴማ ብዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዝተወደበ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ካብ 120 ሃገራት ዝመጹን ን300 ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝወከሉን ልዕሊ 600 መራሕቲ ሰልፊታት ዓለምን ወከልቲን ተሳቲፎም።

ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ “ተመኲሮን ፖሊሲን ኤርትራ ኣንጻር ብልሽውና” ብዝብል ኣርእስቲ ንተጋባእቲ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ ብልሽውና ንመሓውራት መንግስታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዘልምስ ኣዝዩ ሓደገኛ ‘ሕማም’ን ንፖለቲካዊ ሰልፊታት ካብ ህዝቦም ካብ ዝንጽልዎም ቀንዲ ረቛሒታትን ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፡ ብልሽውና ብዙሕ መልክዓት ለቢሱ ብሰላሕታ ከምዘስፋሕፍሕ ኣገንዚቡ።

ብልሽውና ንሃገራዊ መንፈስን ናይ ምስራሕ ዓቕሚን መንግስታት ከምዘዳኽም፡ ብብልሽውና ዝተጠቕዐ መንግስቲ ድማ ህዝባዊ እምነት ስለዘጥፍእ፡ እቶም ዝበለጹ ፖሊሲታቱ ከተግብር’ውን ከምዘጸግሞ ዝገለጸ ኣቶ ሓጐስ፡ ብልሽውና ጠንቂ ናይቶም ኣህጉራዊ መልክዓትን ብድሆታትን ዘለዎም፡ ከም ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ዝኣመሰሉ ንጥፈታትን ገበናትን ከምዝኸውን ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና፡ ገና ከይሳዕረረ እንከሎ ንምክልኻሉ ካብ ዝካየድ ቃልሲን ትዅረትን ከምዝጅምርን ዝበለጸ ውጽኢት ከምዝርከቦን ጠቒሱ ድማ፡ ህግደፍን መንግስቲ ኤርትራን – መብጽዓ ናይ’ቶም ህይወቶም ከፊሎም ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ዘምጽኡን ልኡላውነት ዘውሓሱን ጀጋኑ ንኸይጠልሙ፡ ንዝሓለፉ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት ንብልሽውና ብኹሉ መልክዓቱን ኣብ ኩሉ ደረጃታቱን ክቃለስዎ ምጽንሖም ኣነጺሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዝኽተሎ ፖሊሲ “ዜሮ ተጻዋርነት ንብልሽውና”፡ ቅርጡው፡ ጽሩይን ብቑዕን ትካላትን ሰራሕተኛታትን ብምህናጽ፡ ኣድማዒ ጐስጓሳት ብምክያድ፡ ንጹር ሕግታት ንግድ ብምትእትታው፡ ጽኑዕ ማላዊ ተሓታትነት ዘለዎ ትካላት ብምህናጽ፡ ከምኡ’ውን ንዕኡ ዝበቅዕ ፍሉይ ኣካላት ብምቛም፡ ብልሽውና ብኣግኡ ንምክልኻልን ምስ ተጋህደ ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውሳድን ዘኽእል ሕጋዊ ባይታ ኣንጺፉ ይሰርሕ ምህላዉ ዝሓበረ ኣቶ ሓጐስ፡ ብልሽውና ብባህሊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተዀስኰሰ ክብሪታትን’ውን ውጉዝን ዘይቅቡልን ብምዃኑ፡ ነዚ ባህሊን ክብሪታትን ንምዕቃብን ንምዅስኳስን ሰፊሕ ናይ ንቕሓት ዘመተታት ከምዝካየድ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣቶ ሓጐስ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ብምርኻብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት ህግደፍን ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን፡ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ቻይናን፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ጉዳያት ተመያዪጡ።

በዚ መሰረት፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ክፍሊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ቻይና ሹ ልዩፒንግ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ህግደፍን ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን ተመሳሳሊ ታሪኽን ክብሪታትን ከምዝውንኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን ክልቲኡ መንግስታትን ዘሎ ስትራተጅያዊ ዝምድናታትን ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓሞቘን እናሓየለን ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ።

ሚስ ሹ ልዩፒንግ ብወገና፡ ቻይና ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተሐይሎ ከምእትደሊ ብምሕባር፡ ቻይና ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን፡ ምስ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ቅርብቲ ምዃና ብምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን ህግደፍን ድልዱል ዝምድና ክህሉ ከምእትጽዕር ኣረዲኣ።

ዋና ጸሓፊ ማእከላይ ሽማግለ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና – ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ንተጋባእቲ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ መደረ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዓለም፡ ንምህናጽ ሓባራዊ መጻኢ ወዲሰብን ዝሓሸት ዓለምን፡ ውሁድ ጻዕሪ ከካይዱ ብምጽዋዕ፡ ሃገሩ ንኣህጉራዊ ሰላም፡ ርግኣትን ብልጽግናን እትጻወቶ ተራን እትገብሮ ኣበርክቶን ከምእተደንፍዖ ኣረጋጊጹ።

Categories