ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብቕዓትን ውጽኢትን ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ናይ ዝካፈሉ ተመሃሮ ንምምሕያሽ፡ ሓያል ጻዕሪን ተወፋይነትን መማህራን ወሳኒ ምዃኑ፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ንምግምጋም ብ29ን 30ን ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተቓንዐ ኣኼባ፡ ኣወሃሃዲ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ኣብቲ ዞባ መምህር ኣስመሮም ሰሲኖስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017፡ ካብ 99 ኣብያተ-ትምህርቲ 15,109 ተፈተንቲ ክሳተፉ እንከለዉ፡ እቶም 47 ሚእታዊት ጥራይ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዘሕልፎም ነጥቢ ከምዝረኸቡ ኣብሪሁ።

እዚ ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ዝተረኽበ ውጽኢት ክነጻጸር እንከሎ፡ ነክዩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ መምህር ኣስመሮም፡ ብፍላይ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ድባርዋን ሰንዓፈን ዝተረኽበ ውጽኢት ኣዝዩ ትሑት ስለዝኾነ፡ መማህራንን ሱፐርቫይዘራትን ዕቱብን ሓያልን ጻዕሪ ክገብሩ ተማሕጺኑ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ ብወገኑ፡ ነቶም ጠንቅታት ኣለሊኻ ንምፍዋሶም ስጉምታት ክውሰዱ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምዕዋት ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ብሕልፊ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ክጽዕቱ ኣዘኻኺሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ሕጽረታትን ንምፍዋስ ሓባራዊ ዕዮ ናይ ኩለን ኣካላት መንግስቲን ግንባርን ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

Categories