ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ንዝተነጥፉ 5 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 17 ሞያውያን ስልጠና ሂቡ።

እቲ ስልጠና፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምዕባለታት ኤች-ኣይቪ አይድስ፡ ንምክልኻሉ በብእዋኑ ዝተኣታቶ ዘሎ ሜላታትን መድሃኒታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣወሃህባ ማዕዳን ምኽርን ዘተኰረን ብግብሪ ዝተሰነየን እዩ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስልጠና፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ኣሰፋው ገብረሚካኤል፡ ሰልጠንቲ፡ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ፡ ንዝነበሮም ፍልጠት ዝድርዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብግብሪ ከማዕብልዎ ተላብዩ።

ሰልጠንቲ ብግደኦም፡ ዝቐሰምዎ ስልጠና፡ ኣፍልጦኦም ኣብ ምስፋሕን ኣብ ዕዮኦም ብኣድማዕነት ክፍጽሙን ሓጋዚ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተመሳሳሊ ስልጠና ክቕጽል ተላብዮም።

Categories