ኮሚተታት ልምዓትን መኸተን ምምሕዳራት ከባቢን ውዳበ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ንዝእለያ ዘለዋ ግዳያት ፊስቱላ፡ ኣስታት 80 ሽሕ ናቕፋ ዝግመት ናውቲ ጽሬትን ክዳውንትን ኣበርኪቶም።

ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ፊስቱላን ዶክተር ዳዊት ሰረቐ፡ ፊስቱላ ንኽትሕክሞ ኮነ ንኽትፍውሶ ከቢድ ወጻኢታት ዝሓትትን ኣብ ስነ-ኣእምሮ ግዳይ ጸቕጢ ዝፈጥርን ብምዃኑ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ- ሰብ ጠንቅታቱ ኣብ ምግታእ እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።

መዲካል ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ ማእከል ፊስቱላ ዝካየዱ ሕክምናዊ ንጥፈታት፡ ንተሓከምቲ ዝግበረለን ክንክንን ዝወሃበን ናይ ተሃድሶ መደባትን ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፡ ስለ’ቲ ሰናይ ተበግሶ ኣመስጊኑ።

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዝርከብ ሃገራዊ ማእከል ፊስቱላ፡ ካብ መላእ ሃገር ንዝመጻ ግዳያት ናጻ ኣገልግሎት ዝህብ መንግስታዊ ትካል ጥዕና’ዩ።

Categories