ነበርቲ ከተማ ተሰነይ፡ ኣብ 2011 ዝተተግበረ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝፈጠሮ መስተርሆት ቀጻልነት ንኽህልዎ፡ ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ብስእነት ማይ ዝሻቐልዎ ዝነበሩ ከቢድ እዋን ብምዝካር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መሰረታዊ ፍታሕ ብምርካቡ፡ ግዜኦም ኣብ ካልእ ንምዕባለኦምን ምዕባለ ከባቢኦምን ዝደፍእ ንጥፈታት የውዕልዎ ከምዘለዉ ጠቒሶም፡ ውሕሉል ኣጠቓቕማ ብምዝውታር ዕድመ ኣገልግሎት ናይቲ ፕሮጀክት ንምንዋሕ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጾም።

ሓላፊ ኣገልግሎት ምዕዳል ማይ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ዑስማን ሓሰን፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ቀረብ ማይ ናብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ንምብጻሕ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ዛጊት ልዕሊ 3200 ስድራ- ቤታትን ትካላትን ተጠቀምቲ ኮይኖም ምህላዎም ኣረዲኡ።

እቲ ቤት-ጽሕፈት ካብ 1 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዋጋ ማይ ምጉዳል ክገብር ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ዑስማን፡ ብቡምባ ንመንበሪ ገዛ ዝዕደል ንሓደ ሜተር ክዩብ ብ20 ናቕፋ ዝነበረ ናብ 11 ናቕፋ፡ ንትካላት ካብ 25 ናቕፋ ናብ 14 ናቕፋ፡ ናይ ሓባር ነቚጣታት ንዝግልገሉ ድማ ንፊስቶ ካብ 6 ናቕፋ ናብ 4 ናቕፋ ክጐድል ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories