ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ 2017 ንዘሰላሰሎም ንጥፈታት ብምግምጋም፡ ናይ 2018 ውጥን ስራሕ ሓንጺጹ።

ኣብ’ቲ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተወከላ ኣባላት ዝተረኽባሉ ኣኼባ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውዳበ ደሓን ዝኾነ ንጥፈታት ከምእተኻየደ ክግለጽ እንከሎ፡ ውዳበታት ንምስፋሕን ንምድንፋዕን ብዝበለጸ ክስራሕ፡ ጥዕናን ዕብየትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ትምህርትን ምግታእ ሃሳዪ ልምድታትን ብዝለዓለ ክድፋእ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን ናጻ ካብ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ምእዋጀን፡ ንጻዕሪ ማሕበር ብሓፈሻ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ድማ ብፍላይ ዘርኢ ምዃኑ ድማ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ክስጒማ ዝግበር ምትብባዕ እወታዊ ለውጢ የምጽእ ከምዘሎ፡ ኣብ ዝቐረቡ ጸብጻባት በሪሁ።

ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ኣምና ሓሰን፡ ንደቂ- ኣንስትዮ ዘማዕብሉ መደባት ምስራዕን ምትግባርን ካብ ቀንዲ መደባት ማሕበር ምዃኑ ጠቒሳ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባውን ፖለቲካውን ገስጋስ ሃገር ግቡእ ንጥፈታተን ከረጋግጻን ኣንጻር ድሑር ልምድታት ብዝተፈላለየ መልክዕ ክቃለሳን ኣዘኻኺራ።

Categories