ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ኢንስቲትዩት ኮንፉሽየስ ናይ ቻይናን፡ ንሓደ ወርሒ ዝቕጽል ናይ ቅብኣ ስልጠና ኣብ ኣስመራ ይወሃብ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ብኽልተ ቻይናውያን ክኢላታት ቅብኣ ዝወሃብ ዘሎ – ኣብ ያታዊ ቅብኣታት ቻይናን ናይ ዘይቲ ቅብኣታትን ዘተኰረ ስልጠና፡ 40 ኤርትራውያን ሰኣልቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ብ27 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት ምጅማር ስልጠና፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና፡ ኣብ መጻኢ ኣብ’ቲ ዓውዲ ንዝግበር ዝሰፍሐ ምትሕግጋዛት መሰረት ከምዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ብወገኑ፡ ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኤርትራን ቻይናን – ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣመዝጊብዎ ንዘሎ ምዕባለታት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ተራሕዩሎም ንዘሎ ዕድል ተጠቒሞም ሞያዊ ዓቕሞም ንምድንፋዕ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

Categories