ኣብ ንኡሳን ዞባታት – ባጽዕ፡ ጊንዳዕ፡ ፎሮን ናቕፋን – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኮማዊ ተሳትፎ ኣብ መደባት ልምዓት ንምሕያል ዝዘተየ ርክባት ተኻይዱ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ኣብ’ቲ ርክባት፡ ብዘይካ’ቶም ብመንግስቲ ዝተታሕዙ መደባት፡ ህዝቢ ብውሽጣዊ ዓቕሙ መደባት ልምዓት ብምስራዕ ከተግብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ዚ ዓመት፡ ህዝቢ ኣብ እቶታውነት ዓቢ እጃም ዘለዎም ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ መደባት ከምዘተግበረ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃይለ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዓቢ እጃም ዘለዎም መደባት ኣብ ምልላይ መጽናዕቲ ክካየድ ከምዝጸንሐን፡ ንትግባረኡ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብተን ንኡሳን ዞባታት ናይ ዝተሳለጡን ኣብ መስርሕ ዝርከቡን – ዝተፈላለዩ ትሕተ-ቅርጺ፡ ዓግማት፡ ፕሮጀክትታት ማይ፡ ምግራብን ካልእን ጸብጻባት ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ፡ ጽርግያ ፎሮ – ኢግላ ክጽገን፡ ዓግማት ንምጽጋን ማሽነሪታት ኣብ እዋኑ ክምደባሎም፡ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ኣብ ግዜኡ ክቕረበሎም፡ ዘይምዕሩይ ቀረብ ማይ ከተማ ባጽዕ ቈላሕታ ክግበረሉ፡ ዝርጋሐ ኣውቶቡሳት ከተማ ክሰፍሕ ሓቲቶም።

Categories