ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ጸገማት ኣለሊኻ ብምፍታሕ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምዕዋት ዝዓለመ – ጐስጐሳዊ ርክባት ምስ ተመሃሮ ተኻዪዱ።

ነቲ “ትምህርትን ኣገዳስነቱን” ብዝብል ቴማ ብምትሕብባር ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲን ሃማመተኤን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተወደበ ጐስጓስ፡ ኣብ 24 ኣብያተ-ትምህርቲ ልዕሊ 6700 ተመሃሮ ተሳቲፎምዎ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ መምህር ተስፋይ ተኸስተ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ትምህርቲ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ናውቲ ትምህርትን ገዚፍ ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ፡ ግዳ እቲ ዝድለ ውጽኢት ይምዝገብ ብዘይምህላዉ – ሓያል ስራሕ የድሊ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ተስፋኣለም ተስፋሚካኤል ብወገኑ፡ መንእሰያት ግቡእ ፍልጠት ክቐስሙን ተወዳደርቲ ክኾኑን፡ ማሕበር ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ወትሩ ድልው ምዃኑ ሓቢሩ።

ተመሃሮ፡ ዋሕዲ መማህራን ፍታሕ ክናደየሉ፡ ነቲ ብክለሳ ሓሳብ ዝመሃርዎ ብግብራዊ ስራሕ ከሰንይዎ ባይታ ክፍጠረሎም፡ ክለባት መንእሰያት ክሕይላ፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባልን መጠን ምትራፍ ንምካይን፡ ብውህደት ክስራሕ ሓቲቶም።

Categories