ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጸሮና፡ ዓዲ-ቐይሕን ፎርቶ ሳዋን ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘተኰረ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ናይ ጸሮናን ዓዲ-ቐይሕን፡ ንጥፈታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነትን በጺሒዎ ዘሎ ደረጃን፡ ደግሲ መሃይምነት ንኸየጋጥም ክግበር ዘለዎ ጻዕሪ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ተዘትዪ።

ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ኣብ 26 ነቑጣታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ድማ ኣብ 13 ነቑጣታት ከምዝወሃብ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ከባቢ ድማ ብጽቡቕ ይካየድ ከምዘሎ በሪሁ።

ሓለፍቲ ትምህርቲ’ተን ንኡሳን ዞባታት፡ ንዝያዳ ውጽኢት ምክትታልን ምድግጋፍን ኣመሓደርቲ ክዓዝዝ ብምዝኽኻር፡ ጐስጉሳት ክሕይልን ብትምህርቶም ጸብለል ንዝበሉ ተሳተፍቲ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ምትብባዕ ክግበረሎምን ተላብዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣመሓዳሪ ርብዳ ታሕታይ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ – ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ ነበርቲ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ከባቢኦም ተፈጢሩ ንዘሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀሙሉን፡ ደቆም ብስሩዕ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኩን ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሓመድ እድሪስን ጸሓፊ ህግደፍ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብደላ እድሪስን ድማ፡ ቀጻሊ ብዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን እወታዊ ለውጢ ከምእተመዝገበ ጠቒሶም፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕባይ ብኣተኲሮ ክስራሓሉ ተላብዮም።

Categories