ኣብ ዞባ ደቡብ፡ መደባት ምሸታዊ ትምህርቲ ብምግምጋም ንምሕያሉ ክግበር ኣብ ዘለዎ መዳያት ንምዝታይ – ብ23ን 24ን ሕዳር ኣብ ከተማ መንደፈራ ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ዞባ ሓላፊ ኣሃዱ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር በላይ ኑርሑሴን፡ ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ብዞባ ደረጃ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ክቕጽሉ ንዘይከኣሉ፡ ከምኡ’ውን ብመደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ትምህርቶም ዛዚሞም ደረጃኦም ንዘዕበዩ ዜጋታት – ዝተዋህበ ዕድላት ትምህርቲ ብዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

መምህር በላይ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ 8 ንኡሳን ዞባታት ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ምሸታዊ ትምህርቲ ይዋሃብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ካብ 2011 ክሳብ 2017 ንልዕሊ 14 ሽሕ ተመሃሮ ኣገልግሎት ከምእተዋህበ፡ ይኹን’ምበር ኣብ መስርሕ ብዘጋጠሙ ሕጽረታትን ብድሆታትን እቲ መደብ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይነበረ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ንዓበይቲን ምምዕባል ካሪክለምን ኣቶ ትኳቦ ኣይሙት ብወገኑ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ’ቲ ግቡእ ዕድመ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ዜጋታት ትምህርቲ ዝቕጽሉሉ ባይታ ተፈጢሩ ምህላዉ ብምምልካት፡ ኩሎም ዝምልከቶም ብውህደት ክሰርሑሉ ዝግባእ ሃገራዊ መደብ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምሸታዊ ትምህርቲ ዝረኣዩ ድኽመታት ንምውጋድ ክተኣታቶ ኣብ ዘለዎ ሜላታት ኣሰራርሓ ድሕሪ ምዝታይ፡ መደባት ምሸታዊ ትምህርቲ ናብ ኩሉ ከባቢታት ክሰፍሕ ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ምሸታዊ ትምህርቲ፡ ናይ ኣተሓሳስባ፡ ኣሰራርሓን ኣረኣእያን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ሓጋዚ ስለዝኾነ፡ ምምሕዳር ዞባ ንምዕዋት’ቲ መደብ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።

Categories