ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ካብ መላእ’ቲ ዞባ ንዝተዋጽኡ ኣብ ልምዳዊ ፍወሳ ዝነጥፉ 22 ዜጋታት፡ ንጥፈታቶም ምስ ዘበናዊ ሕክምና ንኸሰንዩዎ ስልጠና ሂብዎም።

ሓላፊ ኣገልግሎት ፋርማሲ ዞባ ዓንሰባ – ፋርማሲስት ገብርኤል ዳዊት፡ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ኣብ ሃገርና ንመጀመርታ ግዜኡ ይወሃብ ከምዘሎ፡ ዕላማኡ ከኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ንዘለዎ ባህላዊ ሕክምና – ኣሉታዊ ሸነኻቱ ብምጉዳል እወታዊ ሸነኻቱ ንምምዕባልን ምስ ዘበናዊ ሕክምና ንምስናዩን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ መደብ፡ ኣብ ባህላዊ ፍወሳ ዝነጥፉ ዜጋታት ኣብ ዓውዲ ዘበናዊ ሕክምና ዝጸንሖም ኣፍልጦ ድሩት ምዃኑ – እዚ ድማ ከም ኣሉታዊ ሸነኽ ከምዝጥመት ክበርህ እንከሎ፡ መባእታዊ ሌላ ምስ ኣምራት ዘበናዊ ሕክምና፡ ኣገዳስነት ባህላዊ ፍወሳ ኣብ ምፍዋስ ዝተፈላለዩ ሕማማት ምብራህን ተመኲሮ ምልውዋጥን – ኣብ መጻኢ ብዝሰፍሐ ክስርሓሉ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣስተምህሮ፡ ባህላዊ ፍወሳ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘለዎ ተቐባልነትን፡ መድሃኒታውያን ኣትክልትን ኣብ ምዕቃቦም ክግበር ዝግባኦ ክንክንን፡ ብውሑዳት ሰባት ዝፍለጡ መድሃኒታውያን ኣትክልቲ ብኸመይ ይንጸሩ. . . ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ዘተኰረ እዩ።

ሰልጠንቲ፡ እቲ ኣስተምህሮ – ኣብ ንጥፈታቶም ከዘውትርዎም ብዛዕባ ዝግባእ ጥንቃቐታትን ምስ ዓውዲ ዘበናዊ ሕክምና ክፈጥርዎ ዘለዎም ውህደትን ዘዕቢ ብምዃኑ፡ ንቐጻሊ ክድፋኣሉ ተላብዮም።

 

Categories