ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ኣፍልጦ ሕጊ ክብ ብምባል ምትሕብባር ነበርቲ ምስ ፖሊስ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኣኼባ ተኻዪዱ።

ኣዛዚ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ከተማ ባጽዕ ተለንተ ዛይድ ተስፋዝጊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብጽቡቕ ስነ-ምግባሩ ዝልለ ዜጋ መሰረቱ ኣብ ስድራ-ቤት ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ክዕቀብን ሓደ-ሓደ በከልቲ ተርእዮታት ብኣጋኡ ንምውጋድን፡ ምዕባይ ንቕሓት ኣብ ሕጊን ምትሕብባር ምስ ፖሊስን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኩነታት ከባቢኻ ብጥብቂ ምክትታልን ውላድካ ዘርእዮ ምልውዋጥ ባህሪ ምሕላውን፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደላትን ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ተለንተ ዛይድ፡ ብእዋኑ ናብ ፖሊስ ዝበጽሕ ሓበሬታ ኣብ ምግታእ ሳዕቤናት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።ተሳተፍቲ፡ ዕላማታትን ተልእኾታትን ፖሊስ ንምዕዋት ምትሕብባሮም ከምዘዛይዱ ብምርግጋጽ፡ ለይታዊ ትልሂት ምክትታል ክግበረሉ፡ ፖሊስ ሓበሬታ ኣብ ዝመጾ እዋን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህብ ዝብሉ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሰለስተ ኣቶ ዘርእሰናይ ጋይም፡ ምውሓስ ርግኣትን ጸጥታን ሕመረቱ ንቑሕ ህዝቢ ምዃኑ፡ ኩሎም ዝፍጸሙ በደላትን ገበናትን ድማ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክስወሩ ከምዘይክእሉ ብምሕባር፡ “እንታይ ገደሰኒ” ዝብል ኣተሓሳስባ ክውገድ ተላብዩ።

Categories