ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ ካብ 23 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ከተማ ዶውሓ፡ ብድሙቕ መዓርግ ይካየድ ኣሎ።

ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ ከምኡ’ውን ሰበ- ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠርን ኣብ’ታ ሃገር ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ምእካብ ግብሪ ዝተራእየ ጸገማት ብግቡእ ብምልላይ፡ ነቲ ብወገን ከፈልቲ ዝነበረ ድኽመታት ብጐስጓሳት ንምእላይ፡ ብወገን ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ንዝርአ ምድንጓያትን ምምልላስን እውን ንምእራም ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣገንዚቡ። *** ኣብ ቐጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም’ዩ ነቲ ፈስቲቫል ከፊትዎ።

ብመሰረት፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ፈስቲቫል፡ ንባህላዊ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ – ምርኢት ቊሸት ዞባታት፡ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ሙዚቃን ትልሂትን ዘጠቓለለ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መደባት መኸተን ዘተኰረ ሰሚናርን ካልእ መደባትን ይቐርብ ኣሎ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ዓመታዊ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ጥምረቶም ብምትራር፡ ብድሆታት ስደት ኣብ ምግጣም፡ መንነቶም ከምኡ’ውን ሕብረተሰባዊን ሃገራዊን ክብርታቶም ብምዕቃብ ናብ ተካእቲ ወለዶታት ኣብ ምስግጋር ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊጾም።

Categories