ኣዋጅ ግብሪ ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን ተግባራዊ ክኸውን፡ ተራ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክዓዝዝ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኣቶ ዮውሃንስ ኢሳቕ ጸዊዑ።

ኣቶ ዮውሃንስ፡ ግብሪ መንግስቲ ንቊጠባዊ ፊስካላዊ ፖሊሲ መንግስቲ መሰረት ብምግባር ከምዝእወጅን ከምዝእከብን ጠቒሱ፡ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ መንግስቲ ብምዃኑ በቲ ሓደ፡ ምስ መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት ብቐጥታ ስለዝተኣሳሰር ድማ በቲ ካልእ፡ ብሉጽ ኣገልግሎት ንምርካብ ግቡእ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ክህሉ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ምኽፋል ግብሪ ሕርሻን ጥሪትን ካብ 1994 ኣትሒዙ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብምሕባር፡ ብመሰረት ተመሓዪሹ ወጺኡ ዘሎ ኣዋጅ ቊጽሪ 178/2016፡ መጠን ክፍሊት ብመንጽር ብዝሒ ጥሪትን ስፍሓት መሬትን ተራእዩ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ እዋኑ ዘይምርካብ፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ኰይኑ ከምዝጸንሐ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ከኣ ብህዝቢ ብዝምረጻ ሽማግለታት ከምዝእከብ ኰይኑ ከምዘሎ፡ እዚ ዝተመርጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣብ ኩለን ዓድታት ንዝርከቡ ሓረስቶት ስለዝምልከትን እቶም ብነፍሲ-ወከፍ ንኡስ ዞባ ዝተወከሉ ሽማግለታት ኣብ ዓድታት ስለዘለዉን ምዃኑ ኣረዲኡ። ንስሉጥ ኣገልግሎት፡ ነቶም ሽማግለታት ስልጠናታትን ኣስተምህሮታትን ከምዝወሃቦም ድማ ሓቢሩ።

ኣቶ ዮውሃንስ፡ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ምእካብ ግብሪ ዝተራእየ ጸገማት ብግቡእ ብምልላይ፡ ነቲ ብወገን ከፈልቲ ዝነበረ ድኽመታት ብጐስጓሳት ንምእላይ፡ ብወገን ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ንዝርአ ምድንጓያትን ምምልላስን እውን ንምእራም ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

Categories