ንጠንቅታትን ሳዕቤናትን ተፈጥሮኣዊን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ብዝምልከት፡ ብኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ22 ሕዳር ኣብ ከተማ ባጽዕ ተሰላሲሉ።

እቲ ንክሊማዊን ኣከባብያዊን፡ ከምኡ’ውን ባሕራዊን መሬታዊን ባህርያዊ ሓደጋታት ዝምልከት መጽናዕቲ፡ ኮም ብዝሰረቱ ሜላታት ሳዕቤናት ንምንካይ ዘኽእል ኣገባብ ዘማእከለ ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክኽሰት ዝኽእል ሓደጋታት ንምልላይን ንምምርማርን፡ ከምኡ’ውን ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣተሓሕዛ ሓደጋታት ክብ ንምባል’ዩ።

ኣብ’ቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ፡ ነባሪ ምሕደራ መሬት ዘየማትእ ኣማራጺ ምዃኑ፡ ዝባደመ መሬት ንምህዳስ ድማ ዝተፈላለዩ ስትራተጂታትን ሜላታትን ከምዘለዉ ክጥቀስ እንለሎ፡ ተደጋጋሚ ደርቂን ምልውዋጥ ክሊማን፡ ምብራስ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ፍግረ- መሬትን ካልእን፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ሓደጋታት ከምዝዀኑ፡ ነዚ ንምውጋድ ድማ ምቛም ስርዓተ ቅድመ-ሓደጋ ወሳኒ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ገማግም ባሕሪ፡ መጠን ኣልቦ ምግፋፍ ዓሳ፡ ምዕናው ሾራን ዕንባባ ባሕሪን፡ ዘይውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸጋታትን ኰይኖም፡ ነዚኦም ምሉእ ብምሉእ ምውጋድ ዘይከኣል’ኳ እንተዀነ፡ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣቐዲምካ ሓበሬታ ብምሃብን መከላኸሊ ሜላ ብምጥቃምን ምጕዳሎም ከምዝከኣል፡ እቶም ምሁራት ኣገንዚቦም።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ልዑል ተኽእሎታት ሓደጋታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እሳተ- ጐመራን ሃደሽታን ብኣብነታት ዝተሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ እቶም ሓደጋታት ዝተወሳሰቡ ምዃኖም፡ ቀንዲ ጠንቅታቶም ብምልላይ፡ መቓን ግዜ ብምስራዕን ብውሁድ ጻዕርታትን ሳዕቤናቶም ምቅላል ከም ዝከኣል እውን ኣረዲኦም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ መጐሳጐሲ ጽሑፋት ክዳለዉ፡ ጽዑቕ ኣስተምህሮታት ክካየድ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ-ባጽዕ ዘጋጥም መደራሕ ኣቐዲሙ ክሕሰበሉ፡ መምርሒታት ሕሩም ሕዛእቲ ንጹራት ክዀኑ፡ ብዛዕባ ጥቕምን ጕድኣትን ገረብ ተምሪ-ሙሳ ንጹር ሓበሬታ ክወሃብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories