ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብቕዓት ዝህቦ ጋሽ-ባርካ ናብ 16 ክብ ኢሉ ኣሎ። ኣገልግሎት ጥዕና ብኹሉ መዳዩ ንምዕባይን ንምምዕባልን፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ስትራተጂያዊ ውጥን ሓንጺጹ ይዓዪ ከምዘሎ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮንን ኣማኻሪ ሚኒስተር ዶክተር ምስማይ ገብርሂወትን ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ገሊጾም።

ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ናጽነት፡ ዝርጋሐ ኣገልግሎታት ጥዕና ናብ ዝሰፍሐ ኩርናዓት ሃገር ብምብጻሕ ዘነይት ዓወታት ከምእተመዝገበ ኣረዲኡ።

ህዝቢ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ከምቲ ዝድለ – ብቐረባ ክረክብ፡ ትካላት ጥዕና ብዓቕሚ-ሰብን መሳርሒታትን ደልዲለን፡ ዝህብኦ ኣገልግሎት ብዓይነትን ትሕዝቶን ንምስፋሕን ፊናንስያዊ ውሕስነት ከምዝህሉ ንምግባርን፡ ካብ 2017 ክሳብ 2022 ዝኸይድ ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና ዝመሰረቱ ውጥን ተዳልዩ፡ ብልዑል ኣድህቦ ይስራሓሉ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ኣብ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ርኡይ ገስጋስ ከምእተመዝገበ፡ ምስ’ቲ ክኢላዊ ዓቕሚ ዝኸይድ ዘበናዊ መሳርሒታት ብምትእትታው ዓይነታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ እውን ብዙሕ ከምእተሰርሐ ገሊጹ።

ናብ ወጻኢ ኬድካ ምሕካም ዝሓቶ ልዑል ወጻኢታትን ሃልኪን ንምጉዳል፡ ክኢላታት ኣብ ወጻኢ ብምስልጣንን ምስ ናይ ደገ ክኢላታት ብምትሕግጋዝን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝወሃብ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ፡ ናይ መንሽሮ ማእከል ኣብ ውሽጢ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ንምህናጽ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ሕክምና ገጽ፡ መንጋጋ፡ ኣፍን ኣስናንን ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ወሊድ ንምስፋሕ ድሮ ትሕተ-ቅርጺን መሳርሒታትን ይዋደድ ከምዘሎ ከኣ ኣረዲኡ።

ዶክተር ምስማይ ገብርሂወት ድማ፡ ጸቕጢ-ደም፡ ሽኮርያ፡ መንሽሮ፡ ሕማም ልቢ፡ ጸገማት ስርዓት ዙረት ደም፡ ስርዓተ-ምስትንፋስን ሕዱር ሕማማት ሳንቡእን፡ ካብ’ቶም እናገነኑ ዝመጹ ዘለዉ ሕማማት ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ህዝቢ ንቕሓቱ ኣበሪኹ – ዘይምዕሩይ ኣመጋግባ፡ ልዑል ኣልኮላዊ መስተ፡ ትምባኾን ካልኦት ሓደገኛ ወልፍታትን ብምውጋድን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምዝውታርን ክከላኸሎም መኺሩ። ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ቀረብ መድሃኒትን ካልእን ልዑል ኣድህቦ ተዋሂቡዎ ይስራሓሉ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

Categories