ሃማደኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቂ-ኣንስትዮ’ቲ ዞባ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘመዝገባኦ ዓወታትን ዝተሓልፈ ብድሆታትን ብምግምጋም፡ ናይ መጻኢ ውጥናት ንምስኣል ዝሕግዝ ዓወደ-ዘተ ኣካይዱ።

እቲ፡ “ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ21 ሕዳር ኣብ ባጽዕ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፡ ንዘሎ ሕጽረታት ብግቡእ ኣለሊኻ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ቈላሕታ ክግበረሉ ዘድሊ መዳያት ንምፍላጥን ንዓኡ ዝሕግዝ ባይታ ንምጥጣሕን እውን ዝዓለመ እዩ።

ኣብ’ቲ ዓወደ-ዘተ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳታፍነተን ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ተዋዳዳሪ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ብኣብነት ዝጥቀስ ለውጢ ከምዘመዝገባ፡ ጐዳእቲ ልምድታትን ድሑር ባህልታትን ንምውጋድ ብዝተኻየደ ጻዕርታት ኣብ ህይወተን ለውጢ ከምዝመጸ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥመን ዝነበረ ሞት ብዝሰረጸ ንቕሓት ከምእተመሓየሸ፡ ከምኡ’ውን ሓያሎ ደቂ-ኣንስትዮ ብመንግስቲ እናተደገፋ መሬት ወሲደን ኣብ ልምዓት ጀራዲንን ምርባሕ ጥሪትን ብምንጣፍ መነባብሮአን ከምዘመሓየሻ ተሓቢሩ። ናይ ልቓሕ ዕድላትን ስልጠናታትን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ እውን ተጠቒሱ።

ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ክብሮም ዓንደሚኪኤል፡ ኩነታትን ገስጋስን ደቂ-ኣንስትዮ ንምፍታሽ ዝተኻየደ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ ብዝግባእ ተሰኒዱን ክውንነታዊ ትንተና ተዋሂብዎን ናብ ወሎዶታት ንኽሰጋገር፡ ተሳተፍቲ ብዝግባእ ክዋስኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ድማ፡ ኣብ ምኽባር መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ብቐሊል ዘይጥመት ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብዝረኸባኦ ባይታን ዕድላትን ከይተዛነያ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀማሉ፡ ሞያውያን ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ኣብ ስራሕ ብዝለዓለ ክነጥፋ ብምዝኽኻር፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ካልእ ንምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕንቅፍ ጉዳያትን ዓገብ ክበሃሎ ጸዊዓ።

Categories