ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዞባ ጋሽ- ባርካ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ትምህርትን ገስጋሱን ንምዕዛብ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ 21 ክሳብ 22 ሕዳር ዑደት ኣካዪዱ።

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ለኮዬብ፡ ኣታይ፡ ኣካይደብ፡ ሃሬረብን ኣግማይትን – ንኡስ ዞባ ከርከበት ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ብሰንኪ ራሕቅን ሰበኽ-ሳግማዊ ህይወትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተገሊለን ኣብ ዝጸንሓ ከባቢታት፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ትምህርትን ኣካላት ምክትታል ዶባትን ስሩዕ ትምህርታዊ ንጥፈታት ተበጋጊሱ ምህላዉ ተዓዚቡ።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መደብ፡ ብዝለዓለ ደረጃን ምዕሩይነት ጾታ ብዘረጋግጽ ተሳትፎን ንኽቕጽል፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ልዑል ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ሰመረ ምስ’ቶም ነቲ ስራሕ ዘበጋገሱ ኣካላት ኣብ ዝተመያየጠሉ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ሰመረ፡ ኣብ ኣግማይት ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ዓበይቲ ዓድን መማህራንን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽን ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ጋግ ንምጽባብን መንግስቲ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ድሕሪ ምዝርዛር፡ እዚ ኣብ’ተን ከባቢታት ብትስፉው ኣገባብ ተበጋጊሱ ዘሎ ትምህርታዊ ንጥፈታት – ብናህሪ ንኽግስግስ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝግባእ ኣድህቦ ከምዝገብረሉ እውን ኣገንዚቡ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዓሊን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ገብረስላሰ ነጋሽን ብወገኖም፡ ተበጋጊሱ ዘሎ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ኣገልግሎት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ንምድንፋዕ፡ ኩለን ዝምልከተን ኣካላት ክነጥፋ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ህዝቢ ጐስጓሳት ከካይዱ ንዘጸንሑ ኣካላት ድማ ሞጒሶምዎም።

ኣቐዲመን ምስ ዞባ ዓንሰባ ዝጸንሓ ንኡሳን ዞባታት ከርከበትን ሰልዓን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝተገብረ ምምሕዳራዊ ለውጢ፡ ምስ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ብምጥርናፈን፡ ብዝሒ ንኡሳን ዞባታት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብቕዓት ዝህቦ ጋሽ-ባርካ ናብ 16 ክብ ኢሉ ኣሎ።

Categories