ኣብ ኤውሮጳ፡ ሕ.መ.ኣን ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ብመሰረት’ዚ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሕዳር፡ ኣብ ፍራንክፈርት – ናይ ቦርድን ኣካየድቲ ኣካልን ኣኼባ ኣቃኒዑ።

ኣኼበኛታት፡ ኣብ ምውዳብ ተካእቲ ወለዶታትን፡ ምንጽብራቕ ሓቀኛ ምስሊ ሃገርን ብዝሓየለ ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጸን።

ብተመሳሳሊ፡ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሕዳር፡ “ሃገራዊ መደባትን ቀዳምነታትን ብመንጽር ተራ መንእሰያት ህግደፍ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ከተማ ዎርምስ – ጀርመን፡ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ኣካዪዱ። እቲ ስልጠና፡ ምስኣል ናይ ሜድያ ስትራተጂ፡ ምሕያል ህዝባዊ ዲፕሎማሲ. . .ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዘተኰረ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ውዳበ ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን፡ ብ18ን 19ን ሕዳር፡ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሚላኖ ድማ ብዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ዝተዳለወ፡ ተመኲሮኡ ኣብ ምክፋልን ኣብ ኤርትራ ዝተዓዘቦ መደባት ልምዓትን ዘተኰረ መደብ ተሳቲፎም። ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ቀጻሊ ፈተነታት ከምዝካየድ፡ እንተኾነ – ህዝቢ ኤርትራ ውሽጣዊ ጥምረቱ ብምሕያል፡ ንቑሕ ግብረ-መልሲ ይህበሉ ከምዘሎ ድማ ዘርዚሩሎም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኒው-ኦርሊያንስ – ሕ.መ.ኣ፡ ኣብ’ታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ፡ ‘ኤክስፖ ኣፍሪቃዊ ውርሻ’ ብምስታፍ – ባህላዊ መግቢ፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ባህላዊ ሙዚቃን ትልሂትን ኣቕሪቡ።

መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ብ19 ሕዳር፡ “ዓውለማን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን” ብዝብል ቴማ፡ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዶም። እቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብጉልባብ ዓውለማ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ጸቕጥታት፡ ጽልዋ ዓውለማ ኣብ ኤርትራ ዝብልን ካልእን ኣርእስታት ዘጠቓለለ ነይሩ።

Categories