ሃገራዊ ኮንፈደሬሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ)፡ ሞያዊ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝሃነጾ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሰራሕተኛታት፡ ብ20 ሕዳር ብወግዒ ስራሑ ጀሚሩ።

ዋና ጸሓፊ ሃኮሰኤ ኣቶ ተኸስተ ባይረ፡ ሞያዊ ስልጠና ንዘላቒን ዘተኣማምንን ምዕባለ ደራኺ ብምዃኑ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብዕቱብ ይስራሓሉ ምህላዉ፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ሞያዊ ዓቕሚ ዜጋታትና ይርአ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ስልጠና ሰራሕተኛታት – ሓደ ካብ’ቶም ንርሑቕ ዝጠመቱ ስትራተጂታት ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቲ መሰልጠኒ ማእከል፡ ቀዳማይ ገጽ ህንጻኡ ኣብ 2015 ከም እተዛዘመ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከኣ ዘበናዊ መሳርሒታት ዓጢቑ ብሰለስተ ዓውድታት ትምህርቲ ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ መጻኢ – ናይ ስራሓት ዕንጸይትን ሓጺንን፡ ምትእንጋድ ኣጋይሽ፡ ከምኡ’ውን ምስ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ንጥፈታት ከስፍሕ ትልሚ ሒዙ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ክብሮም ዓንደሚካኤልን፡ ጸሓፊ ህግደፍ ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃንን፡ እቲ ማእከል ዝህቦ ኣገልግሎት ውሑስ ክኸውን፡ ምዕባለታቱ እትከታተልን እትግምግምን ኮሚቴ ክትህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እቲ መሰልጠኒ ማእከል፡ ብ90 ሰልጠንቲ – ብዓውድታት ኤለክትሮኒክስ፡ ኤለክትሪሲቲን ኮምፕዩተርን’ዩ ስርሑ ጀሚሩ ዘሎ።

Categories