ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ምሕላብ – ንኡስ ዞባ ገለብ፡ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ዓድታት ድሕሪ ምጥርናፈን፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተማሊኡለን።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ሓምድ ኣስፈዳይ፡ ዓድታት ገርበት፡ ኖረት፡ ኮረራን ባብሓሪሽን ኣብ ምሕላብ ብምጥርናፈን፡ 5 ነቝጣታት መዐደሊ ማይ፡ ካብ መዋእል ህጻናት ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ዝተዘርግሓ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን መደበር ጥዕና ተዋዲዱለን ርጉእ ህይወት ይመርሓ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ሓምድ ኣስፈዳይ፡ ዓድታት ገርበት፡ ኖረት፡ ኮረራን ባብሓሪሽን ኣብ ምሕላብ ብምጥርናፈን፡ 5 ነቝጣታት መዐደሊ ማይ፡ ካብ መዋእል ህጻናት ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ዝተዘርግሓ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን መደበር ጥዕና ተዋዲዱለን ርጉእ ህይወት ይመርሓ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ሓላፊ መደበር ጥዕና ምሕላብ ተሓጋጋዚ ነርስ መንእሰይ የማነ ክፍለገርግሽ ድማ፡ መደበር ጥዕና ምሕላብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንቡር ዕለታዊ ንጥፈታት፡ ኣገልግሎታት ክታበት ትሕትን ልዕልን 5 ዓመት ቈልዑ፡ ከምኡ’ውን ምክትታል ነፍሰ-ጾራትን መወልዳንን ከም እትህብ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ትምህርቲ ብዝምልከት፡ ካብ ቤት-ትምህርቲ ፍረሰላም መምህር በሺር ሑሴን፡ ኣብ ማእከል ምሕላብ 540 ተመሃሮ ዘለውዋ መባእታን 183 ተመሃሮ እተአንግድ ማእከላይ ደረጃን ኣብያተ- ትምህርቲ ከምዘለዋ ጠቒሱ፡ ዋሕዲ መማህራን ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories