“ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ርብዒ ዘመን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዘመዝገባኦ ዓወታት፡ ዘጋጠመን ብድሆታትን ዝተራእየ ድኽመታትን ዝግምግም ዋዕላ፡ ብ16 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ልዕሊ 350 ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ንዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ገስጋስን ብድሆታቱን ዘብርሁ – ሸውዓተ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓብዱላሂ ኣልኣሚን፡ እቲ ዋዕላ ዝተሰላሰለ ንጥፈታትን ኣብ ትግባረ ዝተራእየ ብልጫታትን ሕጽረታትን ብደቂቕ ብምግምጋም፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ንምዕማም ዝሕግዙ ሓሳባትን ለበዋታትን ከፈልፍል ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ጸሓፊት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ኣመተ ንጉሰ ብወገና፡ ቃልሲ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ሓደ መድረኽን ብሓደ ኣካልን ጥራይ ዘይውዳእ መስርሕ ምዃኑ ብምሕባር፡ “ብልጫታትና ብምዕቃብ፡ ንዘለዉና ብድሆታት ብሓባርን ብውሁድ ስራሕን ክንገጥሞም ይግባእ” ኢላ።

ዋዕለኛታት፡ ኣብ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ድሕሪ ምዝታይ፡ ኣብ ኣወዳድባ ዝያዳ ስራሕ ከምዘድሊ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ደረጃ ሓላፍነትን መሪሕነትን ብቑዓት፡ ኣድማዕትን ኣብነታውያንን ንምዃን ኣብ ትምህርቲ ክደፍኣን ተወዳዳርነተን ከሐይላን፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣደታት ሰራሕተኛታት ዘገልግል መውዓሊ ህጻናት ክዳሎ፡ ሕቶ መሬት ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ቅድሚ ልቓሕን ውህለላን ኣምር ንግዲ ዘስንቕ ስልጠና ክወሃብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ፕረዘደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ኣብ ዘስመዓቶ መዛዘሚ ቃል፡ ኣብ ኩሉንትናዊ ንጥፈታት ሃገር ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ እናዓበየን እናሓየለን ይመጽእ’ኳ እንተሎ፡ ብዙሕ ዝተርፍ ስራሕ ከምዘሎ ኣብ’ቲ ዋዕላ ከምእተነጸረ ጠቒሳ፡ ሃማደኤ – ብዓጸፋ ስራሕ ናብ’ቲ ዝድለ ባይታ ክብጻሕ ከምዝከኣል ስለዝኣምን፡ ምስ ኩሎም መሻርኽቱ ክዓዪ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኣብ ዓውደን ኣብነታውያን ንዝዀና ደቂ-ኣንስትዮ መተባብዒ ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories