ዓምበርበር ሼር ካምፓኒ’፡ ብመሰረት መምዘኒታት ኩባንያ ቶዮታ ጃፓን፡ ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዘሰልጠኖም 16 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 74 ቴክኒሻናትን ዓቀብቲ ንብረትን፡ ብ17 ሕዳር ኣመሪቑ።

እቲ ካብ 67 ክሳብ 250 ሰዓታት ዝወሰደ ስልጠናታት፡ 5 ናይ ስራሕ ዓውድታት፡ ማለት ፍተሻን ዕረያን ሞተር፡ ምሕደራ መኽዘንን ምክፍፋልን፡ ከምኡ’ውን ባትላሜራን ምልካይ ቀለምን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ኩባንያ ኣቶ ግርማይ ኣብርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ‘ዓምበርበብ ሼር ካምፓኒ’ ወኪል ናይ ሰለስተ ዓበይቲ ኩባንያታት ጃፓን ማለት ቶዮታ፡ ያማሃን ኮማትሱን ምዃኑ፡ እዘን ኩባንያታት ድማ፡ ፍርያተን ግቡእ ናይ ድሕረ-መሸጣ ኣገልግሎት ንኽረክብ፡ ንዝበጽሓኦ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ናብ ወከልተን ስለ ዘሰጋግራኦ፡ ትካሎም ተቛዳሲ ናይ’ዚ ምስግጋር ኰይኑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

‘ዓምበርበብ ሼር ካምፓኒ’፡ ካብ 1997 ብካሪክለም ናይ ዝውክለን ኩባንያታት ዝምራሕ መሰልጠኒ ማእከል ብምምስራት፡ ንኣባላቱ ብቐጻሊ ስልጠናታት ከምዝህብ፡ ምስ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኮሌጅ ስነ- ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ብምትሕብባር’ውን ስልጠናታት ክውድብ ምጽንሑ ዝገለጸ ኣቶ ግርማይ፡ እቲ ኣብ መሬት ይኹን ባሕሪ ተደሊቡ ዘሎ ናይ ተሽከርከርቲ ቴክኖሎጂ፡ ንኹሉ ዝግደስ ኣካል ሕብረተሰብ ክፉት ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ወኪል ተመረቕቲ ኢንጅነር ኣብርሃም ዳኒኤል ብወገኑ፡ ዝተዋህቦም ስልጠና፡ ንጉጅለኣዊ ስራሕ፡ ዕግበት ዓሚልን ድሕነትን ዘቐድም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዘለዎም ሕጽረት ዘመናዊ መወከሲ መጽሓፍቲ ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መስርሕ ምፍታሽን ምጽጋንን ተሽከርከርቲ ብሓገዝ ኮምፕዩተር ተበጺሑ ምስ ዘሎ ምዕባለ ዘላሊ መደብ ቀሪቡ።

Categories