ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሳግም – ተሰነይ፡ ኣብ ምግራብ ብዞባ ደረጃ ኣመዝጊባቶ ዘላ ጸብለልታ፡ ውጽኢት ውሁድ ጻዕሪ ተመሃሮን መማህራንን ምዃኑ፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ተኪኤ መድሃኔ ሓቢሩ።

መምህር ተኪኤ፡ እቲ ናይ ምግራብ ስራሓት ኣብ 2007 ምስ ምህናጽ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ ከም እተበጋገሰ፡ ኣብ 2011 ድማ ብወፍሪ ምግራብ 2000 ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ካብ’ዚ እቲ ኣስታት 1700 ጸዲቑ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ገሊጹ። በዚ ድማ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ 2013 ንሽልማት ከምዝበቕዐት ኣረዲኡ።

መማህራንን ተመሃሮን፡ ሕጂ እውን ቤት-ትምህርቶም ብኣግራብ ንምምዕራጋ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

Categories