ኣብ ዞባ ማእከል፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ንምብራኽ ዝያዳ ጻዕርታት ከምዘድሊ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ውጽኢት ንምግምጋም ብ16 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር መስፍን ወልደስላሰ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017 ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 13 ሽሕ ተመሃሮ፡ 64 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓለፉ ብምሕባር፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ምስ’ቲ ናይ ቅድመኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብልዕሊ 11 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣብሪሁ።

ጠንቂ ምትሓት ናይ’ቲ ውጽኢት፡ ምድንጓይ መምህራን፡ ጽልዋ ኣመዳድባ መምህራን፡ ተመሃሮ ዝሕገዙሉ ባይታ ዘይምፍጣር፡ ድኹም ምክትታል ወለዲ፡ ከምኡ’ውን ብኲራት ተመሃሮ ከምዘጠቓልል’ውን ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ነፍሲ-ወከፍ ቤት- ትምህርቲ ንጥፈታት ስርሓን ውጽኢቱን ዝምልከት ጸብጻባት ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ’ቶም ዘጋጥሙ ዘለዉ ቀንዲ ብድሆታትን ኣገባብ ኣፈታትሓኦምን ዘተ ተኻዪዱ።ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ውጽኢት መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ክብ ለጠቕ እናበለ ክመጽእ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ንሓድሕደን ተመኲሮታት እናተለዋወጣ፡ ንመጻኢ እኹል ምድላዋት ክገብራ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ከይደልደለ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ እወታዊ ውጽኢት ክርከብ ከም ዘይክእል ብምእማት፡ ብዝሓየለ ክስራሓሉ ተላብዩ።

Categories