ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት፡ ውህደት ዓቕሚታትን ጸጋታትን ልዑል ኣድህቦ ክወሃቦ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ኣብ ኣፍዓበት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ስራሕ ኣገንዚቡ።

“ጸጋታትካ ብግቡእ ምፍላጥ፡ ምውዳብን ብውሕልነት ምጥቃምን፡ መሰረት ዓወት’ዩ” ዝበለ ኣቶ ሃይለ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ኮሚተ ልምዓት ዞባ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት እናተንቀሳቐሰት – ኣበይ እንታይ ኣሎ፡ እንታይከ የድሊ ብምጽናዕ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት ኣረኪባቶ ከምዘላ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ብውዳበታት ህዝባዊ ግንባር ዝተኻየደ ንጥፈታት ኣድማዒ ምንባሩ ክግምገም እንከሎ፡ ኮማዊ ማእቶት ክሕይል መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ፍታሕ ዘድልዮም ሕጽረታትን ጸገማትን ድሕሪ ምዝርዛር፡ ንምፍታሖም ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ እጃሞም ከበርክቱ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories