ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብዓይነት ንምድርዑ መድረኽ ዝጠልቦ እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን ሓላፊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን፡ ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ገሊጾም።

ሚኒስተር ሰመረ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ መጀመርያ ናጽነት ካሪክለም ኣዳሊኻ፡ መሳለጥያታትን ጠለባትን ትምህርትን መማህራንን ቀሪብካ ኣገልግሎት ትምህርቲ ምጅማር ክብድ ዝበለ’ኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብመሰረት’ቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣዋህሊልዎ ዝጸንሐ ተመኲሮ፡ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ፡ ሃገር-ለኸ ዕድል ዘረጋግጽ ዝርጋሐ ንኽህሉ፡ ምዕሩይነት ዕድል ንምስፋሕን ዓይነታዊ ብቕዓት ትምህርቲ ንምርግጋጽን፡ ንዝወሃብ ትምህርቲ ድማ ምስ ልምዓታዊ መደባት ንምስናይ፡ ፖሊሲኡን መትከላቱን ኣነጺሩ ከምእተበገሰ ኣረዲኡ። (ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ሚኒሰተር ሰመረ ኣብ ገጽ 4 ርአ)

ሓላፊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ብወገኑ፡ ኣገልግሎት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ተመሃሮ ብዘአንግድ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ይካየድ ከምዝነበረ፡ ምስ ምስፋሕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ተሳታፍነት ዜጋታት ብተዓጻጻፊ ክብ ስለዝበለ፡ ቊጽሪ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝጽንበሩ ተመሃሮ ብምዕባዩ – ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ሓደስቲ ኮለጃት ተመስሪተን ካብ 2004 ኣትሒዘን ኣገልግሎት ከምዝጀመራ፡ ኣብ’ዚ እዋንዚ ከኣ ንኣስታት 12 ሽሕ ናይ ዲግሪን ዲፕሎማን ተመሃሮ ዝሓቘፋ 9 ኮለጃት ከምዘለዋ ዘርዚሩ።

“ምብዛሕ ትካላት ትምህርቲ፡ ብዝሒ ዘለዎ ምሁር ዜጋ ከተፍሪ’ዩ ዝደፍኣካ” ዝበለ ዶክተር ሃይለ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ድሌታትካ ብዝግባእ ፈሊጥካ ነቲ ብዝሒ ብዓይነት ንምልዋጥ፡ ንዓኡ ዘድሊ ካሪክለም ንምኽላስ፡ መማህራን ንምቕራብ፡ ግብራዊ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ትሕተ-ቅርጺ ንምውዳድ ይስራሓሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ዶክተር ሃይለ ቀጺሉ፡ ናይ ድሕረ- ምረቓ ትምህርቲ ክትህብ፡ ፈለማ ናይ ቅድመ-ምረቓ ኣገልግሎት ክድልድል ከምዝግባእ፡ ድሕረ-ምረቓ ምስ ምውዳድ ብቑዕ ዓቕሚ-ሰብን መሳለጥያታትን ዝኸይድ ምዃኑ፡ ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝህባ ኮለጃት’ኳ እንተለዋ ገና ዕቱብ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ፡ ናይ ምዕባይ ደረጃ መደብ እውን ንግዜኡ ተወንዚፉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኮለጅ ንግድን ስነ-ቚጠባን ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ሎሚ ዓመት ኣብቲ ግቡእ ግዜአን ኣገልግሎት ዘይጀመራሉ ምኽንያት ብዝምልከት፡ ዶክተር ሃይለ፡ ኣብ ሓልሓለ ዝነበረ ኮለጅ ንግድን ስነ-ቚጠባን፡ ኣብ ቀጽሪ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ ክጥርነፍ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ከምእተወሰነ፡ እቲ መደብ ተደናጒዩ ድሕሪ ምጽናሕ ንትግባረ ትሕተ-ቅርጻዊ ጽገና ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ክልቲኡ ኮሌጃት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።

Categories