ማሕበር ወነንቲ ኣውቶቡሳት ‘ዓወት’፡ ወርሓዊ ንኣስታት ርብዒ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እናሃበ፡ ጸገም መጓዓዝያ ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ መብራህቱ ነገደ ሓቢሩ።

ኣቶ መብራህቱ፡ ካብ 20 ክሳብ 62 መናብር ዘለወን 656 ኣውቶቡሳት ዝጥርንፍ ማሕበሮም፡ መዓልታዊ – ኣብ ዞባ ማእከል ንኣስታት 3000፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣስታት 1600፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣስታት 1800፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ልዕሊ 1000፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 500፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ንኣስታት 100 ሰባት ኣገልግሎት ከምዝህብ ገሊጹ።

ማሕበር ‘ዓወት’፡ ብሕግን መምርሒታትን ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ተማእኪሉ ንህዝቢ ውሑስ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ስድራ-ስዉኣት ኣብ ምንባይን ምሕጋዝን’ውን ከምዝነጥፍ፡ ኣቶ መብራህቱ ብተወሳኺ ሓቢሩ፣ ዝሰርሑሉ ዘለዉ ሕጋዊ ታሪፍ፡ ንህልው ዋጋታት መጸገኒን መቀያየሪ ኣቚሑን ኣብ ግምት ብምእታው ዳግማይ ክኽለስ፡ ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያ ዘይብሉ መዕረፊ ኣውቶቡስ ዕዳጋ-ሓሙስ ቈላሕታ ክግበረሉ ድማ ጸዊዑ።

ብደገፍ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1994 ዝተመስረተ ማሕበር ወነንቲ ኣውቶቡሳት ‘ዓወት’፡ ኣብ ዞባ ማእከል 357፡ ኣብ ዞባ ጋሽ- ባርካ 147፡ ኣብ ዞባ ደቡብ 76፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ 53፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ 18፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ 5 ኣውቶቡሳት፡ ብድምር 656 ኣውቶቡሳት ኣለዋኦ።

Categories