መደበር መመንጨዊ ጸዓት ኤለክትሪክ ሕርጊጎ ከፍርዮ ዝጸንሐ መጠን ጸዓት ኤለክትሪክ ብኣስታት 60 ሚእታዊት ንምዕባይ፡ ናይ 98.6 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ተተግቢሩ።

እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ (SFECO) ዝተተግበረ ፕሮጀክት፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እቲ መደበር ዘመንጭዎ ዝነበረ መጠን ጸዓት ኤለክትሪክ ብ46 ሜጋ-ዋት ክብ ዘብል’ዩ።

ትማሊ 15 ሕዳር ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ መደበር ኣብ ዝተኻየደ፡ ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ዝተረኽቡሉ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እዚ ሓድሽ ጀነሬተራት ናይ ምትካል ፕሮጀክት፡ ኣካል ናይ’ቲ ቀረብ ጸዓት ንምውሓስ ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ስብሓት ኣስዒቡ፡ ነቲ ፕሮጀክት ዘተግበረ ቻይናዊ ኩባንያ፡ ነቲ መደብ ኣብ እዋኑ ንምስላጥ በቲ ሓደ፡ ነተን ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሓ ዝነበራ ጀነሬተራት ኣብ ምሕዳስ ድማ በቲ ኻልእ፡ ምስ ኤርትራውያን ክኢላታት ንዘርኣዮ ውህደትን ምትሕብባርን ሞጒሱ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ብግደኡ፡ እዚ ሕጂ ኣብ መፈጸምታኡ በጺሑ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ብዓወት ዝሰላሰል ዘሎ ሽርክነታዊ ስራሕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ ሚስተር ቸን ዩ ብወገኑ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ መደባት ልምዓት ኤርትራ ክሳተፍ ምብቅዑ ሓበን ከምዝስመዖ ጠቒሱ፡ ንጥፈታቶም ብግቡእ ኣብ ምስልሳል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ንዝተገብረሎም ምድግጋፍ ኣመስጊኑ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኤለክትሪክ ኤርትራ ኢንጂነር ኣብርሃም ወልደሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቀረብ ጸዓት ዝተራእየ ጸገም፡ ንህዳሰን ምትካል ሓደስቲ ጀነሬተራትን ከምዝደረኸ ጠቒሱ፡ እዚ ተዋዲዱ ዘሎ ሓድሽ ፕሮጀክት፡ ምስቲ ኣብ ትግባረ ዝርከብ ካልእ ፕሮጀክትታት ተደሚሩ፡ ዓቕሚ ናይ’ቲ ብዝተዋሰበ ሃገራዊ መርበብ ዝዝርጋሕ ጸዓት ኤለክትሪሲቲ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ህዝቢ ንዘጋጠመ ሕጽረት ቀረብ ጸዓት ብንቕሓት ጠሚቱ ንዘርኣዮ ተጻዋርነት ዘመስገነ ኢንጂነር ኣብርሃም፡ መንግስቲ – ዘላቕነት ዋሕዙ ዘየቋርጽ ቀረብ ጸዓት ኤለክትሪክ ንምርግጋጽ፡ በብመድረኹ ዝትግበር መደባት ሰሪዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Categories